ምዕራባውያን ኣብ ኢትዮጵያ ምእዙዝ መንግስቲ ንኅህሉ ስለዝደልዩ ናይ ንፁሃን ጥቕዓት ከምዘይረአዩ ምሕላፍ መሪፆም ኢዮም- ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ምዕራባውያንን ሚዲያታቶምን ኣብ ኢትዮጵያ ምእዙዝ መንግስቲ ንምምስራት ድሌት ዘለዎም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን እናብፀሆ ዝርከብ መጥቃዕቲ ከምዘይረአዩ ምሕላፍ ከምዝመረፁ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ገሊፆም።

ኣቦ መንበር ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ትግራይን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ተሳትፎ ህዝቢ ግድብ ህዳሰን ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ንትፕኢ ከምዝገለፁዎ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተግባር ራዕዱ ብምቕፃል ኣብዚ ሰሙን ኣብ ክልል ኣምሓራ ውጫለን ኣብ ክልል ዓፋር ጭፍራን ብዙሓት ንፁሃን ጨፍጪፉ ኢዩ።

ሓሽከር መንግስቲ ናይ ምምስራት ዕላማ ዘለዎም ምዕራባውያንን ሚዲያታቶምን ነዚ ናይ ንፁሃን መጥቃዕቲ ከምዘይረኣዩ ምሕላፍ ከምዝመረፁ ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ፥ ሰራዊት ምክልኻል እቲ ጉጅለ ንጥፍኣት ኣብ ዝጥቀመሉ ጣቢያ መስመር ርክብ ስጉምቲ እንትወስድ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን መጥቃዕቲ ዘብፀሐ ብምምሳል ምግዋሕ መሪፀን ኢየን ኢሎም።

ምዕራባውያን ብሓደ ወገን ግብረ ራዕዲ ክንዋጋእ ኢና ይብሉ ብተግባር ድማ ግብረ ራዕዲ እናደገፉ ኢትዮጵያ ናፃን ሉኣላዊትን ሃገር ኮይና ንምቕፃል ዘለዋ ቆራፅነት ብምትዕንቓፍ ነዐኦም ሓሽከር ዝኾነ መንግስቲ ክጣየሽ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡

ነዚ ኩነታት ደላዪ ሰላም ዝኾነ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክኹንኖ ዝግባእ ዝተጣመመ ኣካይዳ ከምዝኾነ ኣፍሊጦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment