ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትኹት ዝገበራ ኢትዮጵያ ማእኸል ቃልሲ ኣፍሪካ ስለዝኾነት ኢዩ – ኡጋንዳዊ ፓን ኣፍሪካኒስት

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕራባውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትኹት ዝገበራ ኢትዮጵያ ማእኸል ቃልሲ ኣፍሪካ ስለዝኾነት ኢዩ ክብሉ ኡጋንዳዊ ፓን ኣፍሪካኒስት ማቱ ጆብ ሪቻርድ ተዛሪቦም።

ፓን ኣፍሪካኒስት ማቱ ጆብ ሪቻርድ ምስ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሩዎ ፃንሒት፥ ኣፍሪካውያን ኣብዚ ኣፀጋሚ እዋን ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብላ ኣለወን ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተዋገአት ትርከብ ቀሊልን ስሩዕን ኲናት ዘይኮነስ ንኣፍሪካ ክቕይር ዝኽእል ኲናት ኣፍሪካ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ትርከበሉ ከባቢ ብዙሓት ሃፍቲታት ተፈጥሮ ዝርከበሉ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ፓን ኣፍሪካኒስት፥ ምዕራባውያን ዘለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ኣፀቢቖም ይፈልጡዎ ኢዮም ኢሎም።

ስለዝኾነ ድማ እቶም ምዕራባውያን ነዚ ሃፍቲ ተፈጥሮ ክቀራመታ ዝኽእላ ንኢትዮጵያን ከባቢኣን ከተራምሳ እንትኽእላ ከምዝኾነን ነኢ ብግቡእ ምግንዛብ ከምዝግባእን ኣመልኪቶም።

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ሞንጎ ምዕራባውያንን ምብራቓዊ ዓለምን ዘሎ ንሕንሕ ብግልፂ እናተርኣይ ከምዝኾ ብምግላፅ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ናይ ውክልና ኲናት ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment