ምዕራባውያን ንዩክሬን ዝገብሩዎ ሓገዝ ንምጥንኻር ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምዕራባውያን መራሕቲ ንዩክሬን ዝገብሩዎም ዝተፈላለዩ ሓገዛት ንምጥንኻርን ንምስፍሕፋሕን ተስማዕሚዖም።

መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 7 ኣብ ብራስለስ ኣብ ዘካየዱዎ ኣኼባ፥ ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝገበረቶ ወራር ከምዝኹንኑን ንዩክሬን ወታደራዊን ሰብኣዊ ሓገዛትን ንምግባር ከምዝተስማዕምዑ ተገሊፁ፡፡

ዋና ፀሓፊ ትካል ቃል ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ)ጄንስ ስቶልተንበርግ ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ኔቶ ወታደራቱ ኣብ መሬት ዩክሬን ከምዘየዋፍርን ምስ ወታደራት ሩሲያ ብቐጥታ ናብ ጎንፂ ክኣቱ ከምዘይግባእን ኣብሪሆም፡፡

እቶም  ዋና ፀሓፊ ካብዚ ብተወሳኺ፥ ነቲ ጎንፂ ንህቦ ምላሽ ንመንግስቲ ዩክሬን ብምዕጣቕ ኢዩ ምባሎም ኣር ቲ ፀብፂቡ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኔቶ ኣብ ጥቓ ዩክሬን ኣብ ዝርከቡ ትሰኽቲ ወታደራዊ ሓይሊታት ዝምደበሎም ኣርባዕተ ሃገራት ምብራቕ ኣውሮፓ ዕላዊ ዝገበረ እንትኸውን፥ ወታደራዊ ትልሚታት ንምዕዋት ኣሜሪካን እንግሊዝን ልዑል ሓገዝ ምግባሮም ተሓቢሩ፡፡

ተወሰኽቲ ወታደራዊ ሓይሊታት ናብ ቡልጋሪያ፣ ሃንጋሪ፣ ሩማንያን ስሎባኪያን ንምውፋር ከምዝወሰነ እውን እቶም ዋና ፀሓፊ ኣመልኪቶም።

ኔቶ ቅድም ክብል ኣብ ሃገራት ኢስቶንያ፥ ላቲቪያ፣ ሉቲንያን ፖላንድን ጦር ሰፈር ከምዘለዎ ይፍለጥ።

ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ሩሲያ ቀጥታ ዝኾነ ጎንፂ ከምዘየኣቱ ዳግም ዘረጋገፀ ይኹን እምበር፥ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ተወሰኽ ማዕቐባት ተጠናኺም ከምዝቕፅሉን ቅድሚ ሕዚ ዝተነበሩ ማዕቐባት ንኽናውሑን ወሲኑ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment