ምዕራባዊያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታዊነትን ፅዕንቶን ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ብራስለስ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተወሰኑ ምዕራባዊያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታዊነትን ፅዕንቶን ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ብራስለስ ይካየድ ኣሎ

ኣብቲ ሰልፊ ኣብ ሃገራት ኣውሮፓ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን፣ ትውልደ-ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን ይሳተፉ ኣለዉ።

ዳያስፖራታት ፈረንሳይ፣ ጣልያን፣ ኔዘርላንድስን ጀርመንን ኣብቲሰልፊ ካብ ዝሳተፉ ዘለዉ ተጠቀስቲ ኢዮም።

ዕላማ እቲ ሰልፊ፥ ምዕራባዊያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ኢድ ኣእታዊነትን ፅዕንቶን ብምቅዋም ነባራዊ ሓቂ ንዓለም ማሕበረሰብ ንምግላፅ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ፥ ኮሚሽን ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ኢድ ኣእታዊነት ዝቃወም ደብዳበ ንሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እቲ ኮሚሽን ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment