ምውጋድ ህወሓት ንሰላም ምብራቕ ኣፍሪካ ወሳኒ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምውጋድ ህወሓት ንሰላም ኢትዮጵያ ይኹን ምብራቕ ኣፍሪካ ወሳኒ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ፕሮጀክት ሲንዲኬት ንዝተብሃለ ድገ ገፅ ኣብ ዝፀሓፍዎ መልእኽቲ፥ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ሀዝቢ ትግራይ ካብ ዝተኣሰሮ ኣምባገነናዊ ኣገዛዝኣ ህወሓት ዘላቐቐን ንቀርኒ ኣፍሪካ ተስፋ ዝሃበን ኢዩ ኢሎም።

“ምውጋድ ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ነጊሱ ዝነበረ ተግባር ግዕዚይናን ኣምባገነንነትን ካብ ምጥፋእ ብተወሳኺ ተስፋ ሓድነት፣ ማዕርነት፣ ናፅነትን ዴሞክራሲን ዘርኣየ ኢዩ” ኢሎም።

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ዝረአ ዝነበረ ጎሳ መሰረት ዝገበረ ሕሹኽ ሹኽ ምስ ህወሓት ሓቢሩ ዝተወገደ ምዃኑ ዘርኣየ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ዝተፈጠረ ምንጋዕ ንምፍታሕ ሰብኣዊ ደገፍ ንምብፃሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኣብቲ ክልል ይኹን ኣብዚ ኣህጉር ሰላምን ምርግጋዕን ንክፍጠር ሰባት ንከይጉድኡን ፃዕሪታት ይገብር ከምዝነበረ ብምዝኽኻር፥ ነዚ ፃዕሪ ሓጋዚ ንክኸውንን ሕብረተሰብ ንክጥቀምን ንማሕበረሰብ ዓለም ፃውዒት ኣቕሪቦም።

“ናይ ዝኾነ ይኹን ሃገር መንግስቲ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘይተዳለወሉ ኩነታት መጥቃዕቲ እንትፍፀሞ ኢዱ ኣኪቡ ኣይቕመጥን” ክብሉ ብምሕባር፥ ዜጋታት ኢትዮጵያ ካብ ውሽጣዊን ግዳማውን ፀላእቲ ምሕላው ዝብል ቀዳምነት ዝወሃቦ ስራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብምኽኒያት መጥቃዕቲ ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝተገበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣዝዩ ሓፂር ኣብ ዝኾነ ግዘ ብዓወት ክምዝተዛዘመ አውን ተዛሪቦም።

በከፍተኛ ጥንቃቄ በተካሄደው የህግ ማስከበር ዘመቻ ውጤታማ መሆን ቢቻልም በዜጎች ላይ የደረሰው ሞትና መፈናቀል እሳቸውንም ሆነ ሰላም ፈላጊውን ህብረተሰሰብ በእጅጉ ያሳዘነ መሆኑት ተናግረዋል።

እቲ ምኽባር ሕጊ ብልዑል ጥንቃቐ ዝተፈፀመ እኳ እንተኾነ፥ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝበፅሐ ሞትን ምምዝባልን ንዕዖም ይኹን ሰላም ዝደሊ ማሕበረሰን ኣዝዩ ዘሕዘነ ከምዝኾነ ኣረዲኦም።

ማሕበረሰብ ዓለም እንታይነት ህወሓት ተረዲኡ እቲ ተግባር እኳ እንተውገዘ፥ ብመሪሕነት ህወሓት ዝተገበሩ ብሄር ተኮር ጎንፂታት፣ መፅቀጥቲ ሰብኣዊ መሰላት፣ መቕተልቲን ሰባት ናይ ምጥፋእ ገበናትን ንዘይምርኣይ ዓይኖም ዝጨፈኑ ውሑዳት ከምዘለዉ ገሊፆም።

ዝተፈላለዩ ኣካላት ህወሓት እንተዘይሃሊዩ ኢትዮጵያ ከም ዩጎዝላቪያ ተበታቲና ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪካ ማእኸል ቀውሲ ክኸውን ኢዩ ክብሉ ክኸወን ዘይኽእል ትንቢት ክዛረቡ ከምዝፀንሑ ሓቢሮም።

ኣብ ክፍፍል ብሄረሰብ ዝተደረኸ ኣገዛዝኣ ብዙሕ ክዘልቕ ከምዘይኽእልን ሰባት ዓመፅ ዘርኢ፣ ጉሳን ሃይማኖትን ንብዙሕ ጊዘ ተዓጊሶም ሓቢሮም ክነብሩ ከምዝኽእሉ ብዙሓት መርኣዪታት ከምዘለዉ ገሊፆም።

እሶም ኣባልን መራሒን ኮይነሙሉ ዝፀንሑ ኢህወዴግ ብድፍኢት ህዝቢ ለውጢ ንክመፅእ እንትግደድ፥ ህወሓት ብእንቢተኝነቱ ብምፅናዕ ከምዝፀንሐ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ብሄር፣ ሃይማኖትን ዘርን መሰረት ዘይገበረ ምምሕዳር ንክፍጠር ከምዘኽኣለ ገሊፆም።

ህወሓት ኣብ ትግራይ ክገብሮ ዝፀንሐ ከፋፊልካ ናይ ምግዛእ ዝንባለ ኣብ ኤርትራን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ንምትግባርን እተን ሃገራት ንምትርማስን ብምድላይ ናይ ውክልና ኲናት እንተካይድ ከምዝነበረ ብምግላፅ፥ ምውጋድ ህወሓት ንሰላም ኢትዮጵያ ይኹን ምብራቕ ኣፍሪካ ወሳኒ ከምዝኾነ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment