ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታ ንምግታእ ባህሪ ሚዲያ እዚ እዋን ምግንዛብ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)እናተላብዐ ዝመፅእ ዘሎ ምውዛዕ ስኑዕ ሓበሬታ ንምግታእ ባህሪ ሚዲያ እዚ እዋን ምግንዛብ ከምዝግባእ ሓላፊ ርክብ ህዝብን ዓለም ለኸን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም።

ብምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ካብ 9 ክሳብ 12 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ሩሲያ ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓለም ለኸ ፎረም ፓርቲታት ፖለቲካ ኣባል ሃገራት ብሪክስ ይሳተፍ ኣሎ።

ኣይተ ኣዲሱ፥ “ሓላፍነት ዝተመልኦ ፍትሓዊ ምውዛዕ ሓበሬታ ብመንፅር ምህናፅ ስርዓት ዓለም” ብዝብል ርእሲ ኣብ ዝተሰናድአ መድረኽ መደረ ኣስሚዖም።

ኣብ መደረኦም፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዘይተረጋገፀ፣ ዝተዛብዐን ስኑዕን ሓበሬታ ሓላፊነት በዝጎደሎ መገዲ ስሉጥ ብዝኾነ ዝውዘዐሉ ኩነታት ይረአ ኣሎ ኢሎም።

ከምዚ ዝበለ ፀገም ንምፅዋር ቴክኒካዊ መፍትሒ ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚ ዘበን ተሓሳቢ ዝገበረ ባህሪያት ሚዲያ ናይ ምርዳእ ባህሊ ክምዕብል ከምዝግባእ ኣፅንኦት ሂቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment