ምክእኣል፣ ምክብባር፣ ምምህሃርን ፍልጠትን ፍልፍላት ሰላም ኢዮም -ፕሬዚዳነት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክእኣል፣ ምክብባር፣ ምምህሃርን ፍልጠትን ፍልፍላት ሰላም ኢዮም ክብላ ፕሬዚዳነት ሳህለወርቅ ዘውዴ ተዛሪበን።

ሎሚ መዓልቲ ብብርኪ ሃገር “ሰላም ንኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል መዓልቲ ሰላም ይኽበር ኣሎ።

እዚ መዓልቲ ብዝምልከት መልእኽቲ ዘመሓላለፋ እተን ፕሬዚዳንት፥ ምክእኣል፣ ምክብባር፣ ምምህሃርን ፍልጠትን ፍልፍላት ሰላም ኢዮም ኢለን።

እቲ ዕለት ምኽኒያት ብምግባር፥ ፕሬዚዳነት ሳህለወርቅ፣ ከንቲባ ኣዳነች ኣበቤ፣ ሚኒስትር ሰላም ኣይተ ኣንዷለም ብናልፍን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ብሓባር ብምዃን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወሎ ሰፈር ዓምዲ ሰላም ደው ኣቢሎም።

መንግስቲ ን3 ጳጉመን “ መዓልቲ ሰላም” ኢሉ ዝሰየመሉ ምኽኒያት ሰላም ንደቂ ሰባት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ንምግንዛብ ኢዩ ኢለን።

ስለዝኾነ እቲ ሓውልቲ ሰላም ደው ኣቢልና ኣለና ክብላ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment