ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ዘቲዮም

ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኩባ ብሩኖ ሮድሪጌዝ ፓሪላ ዘቲዮም፡፡

ኢትዮጵያን ኩባን ርክብ ዲፕሎማሲኤን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝስራሕ ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ ዘተ ገሊፆም፡፡

ኩባ ኣብ ዓቕሚ ህንፀት ሓይሊ ሰብ ምስ ኢትዮጰያ ጥንኩር ርክብ ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላፅ÷ ኣርባዕተ ሺሕ ኢትዮጵያዊያን ኣብ ኩባ ዕድል ትምህርቲ ተረባሕቲ ምዃኖም ከም ኣብነት ሓቢሮም፡፡

ኣብ ዓዉዲ ጥዕና እዉን ኩባ ንኢትዮጵያ ልዑል ዝበሃል ሓገዝ እናገበረት ምዃና ብምሕባር፥ እዚ ምትሕብባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣረዲኦም፡፡

ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብኩሉ መዳይ ዝልዉጥ ስራሕቲ ሪፎርም ተግባራዊ እናተገበሩ ምዃኖምን በዙይ እዉን ዘዕግብ ዉፅኢታት ከምዝተረኸበሉን ኣብራህሪሆም፡፡

ብፍላይ ኣብ ዓዉዲ ሕርሻ ብፍርያት ስርናይ ዓርስኻ ኣብ ምኽኣል ዓወት ምምዝጋቡ ብምሕባር÷ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ከምኡውን ኣብ ህንፀት ዲጂታል ኢኮኖሚ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ምክያዶም ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብሩኖ ሮድሪጌዝ ፓሪላ ብግዲኦም÷ 50 ዓመታት ዘቑፀረ ርክብ እተን ሃገራት ርክበን ብዝበለፀ ንምጥንኻርን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምብፀሕን ምጉያይ የድሊ ኢሎም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ኢሉ’ዉን ኣብ ኣፍሪካ ሰላምን ምርግጋዕን ንክመፅእ እተካይዶ ዘላ ግደ ከምዝነኣዱ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment