ምክትል ፕሬዚዳንት ማላዊ ኣብ ዝወደቐት ነፋሪት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ማላዊን ካልኦት ትሸዓንተ ሰባትን ሒዛ ዝተሰወረት ወተሃደራዊት ነፋሪት ድሕሪ ምውዳቓ ዋላ ሓደ ዝደሓነ ከምዘየለ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ላዛሩስ ቻኩዌራ ኣፍሊጦም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ማላዊ ሳውሎስ ቺሊማን እቶም ካልኦት ትሸዓንተ ተሳፈርትን ሒዛ ዝጠፍኣት ነፋሪት ኣብ እግሪ ሓደ ጎቦ ሙሉእ ንሙሉእ ተሓምሺሻ ከም ዝተረኸበት እውን ሓቢሮም።

ዋንነታ ናይ ሓይሊ ምክልኻል ማላዊ ዝኾነት ብሰኑይ ንግሆ ካብ ርእሰ ከተማ ሊሎንግዌ ምስተበገሰት “ካብ ራዳር” ከምዝተሰወረት እቲ መግለፂ የመልክት።

እታ ነፋሪት ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ምዙዙ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ክትዓልብ’ዩ ትፅቢት ነይሩ።

እንተኾነ ሰበስልጣን ኣቬሽን ምስታ ንምክትል ፕሬዚዳንትን ካልኦትን ዝሓዘት ነፋሪት ክራኸቡ ኣይካኣሉን።

ነዚ ስዒቡ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ላዛሩስ ቻክዌራ፥ ስርሒት ምድላይን ምድሓንን ክካየድ ኣዚዞም ኣለዉ።

ፕሬዚዳንት ላዛሩስ ቻክዌራ ብዛዕባ እቲ ፍፃመ ምስ ተሓበረ፥ ናብ ባሃማስ ክገብርዎ ሓሲብምዎ ዝነበረ መገሻ ከምዘቋረፅዎ’ውን ክፍለጥ ተካኢሉ ኣሎ።

እቶም ፕሬዚዳንት “ወተሃደራት ኣብቲ እታ ነፋሪት ወዲቓትሉ ክትከውን ትኽእል ቦታታት ዳህሳስ የካይዱ ከምዝነበሩ” ገሊፆም ነይሮም ክብል ቢቢሲ ኣዘኻኺሩ።

እታ ነፋሪት ካብ ራዳር ዝጠፋኣትሉ ምኽንያት ገና ኣይተፈለጠን ዘሎ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ቺሊማ ኣብ ቀብሪ ናይቲ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ዝሞተ ኣባል ካቢነ ሚኒስትራት ነበር ራልፍ ካሳምባራ ንመንግስቲ ወኪሎም ንምስታፍ’ዮም ዝገሹ ነይሮም።

Comments (0)
Add Comment