ምክትል ዋና ፀሓፊት ውሕመ ኣሚና መሓመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበረኦ ፃንሒት መሕዘኒ መልክዕ እቲ ኲናት ከምዘርአየን ተዛሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ዋና ፀሓፊት ውድብ ሕሕቡራት መንግስታት ኣሚና መሓመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበረኦ ፃንሒት መሕዘኒ መልክዕ እቲ ኲናት ከምዘርአየን ተዛሪበን።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበረኦ ፃንሒት ስዒቡ ሎሚ መዓልቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃባ እተን ምክትል ዋና ፀሓፊት፥ “መሕዘኒ ምስሊ እቲ ጎንፂ ተዓዚበ” ኢለን።

“እቲ ጎንፂ ቅድሚ ኣዋርሕ ከምዝነበሮ ኣይኮነን ሕዚ ውሱን ምርግጋዕ ኣለዎ” ዝበላ ኣሚና መሓመድ፥ ጎንፂ ኣብ ዝተፈጠረሎም ካባቢታት ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢለን።

ኣብ ቀፃሊ እታ ሃገር ክተሳልጦ ዝሓሰበቶ ብሄራዊ ምርድዳእ እውን ንዘላቒ ሰላም እታ ሃገር መፍትሒ ከምዝኾውን እምነተን ገሊፀን።

እተን ምክትል ዋና ፀሓፊት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበረን ፃንሒት፥ ኣብ ክልላት ኣምሓን ዓፋርን ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ዝበፅሑ ሰብኣዊን ንዋታዊን ጉድኣታት ከምኡ እውን እቲ ጉጅለ ሰላማውያን ሰባት ብምቕታል ዝቐበረሉ ጅምላ መቓብራት ተዘዋዊረን ተዓዚበን ኢየን።

ብፀጋዬ ወንድወሰንን ሃይለየሱስ መኮንንን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment