ምክትል ከንቲባ ወ/ሮ አዳነች አቤቤ ኣብ መሕደሪ ታቦት ፅሬት ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ) ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ አዳነች ኣቤቤ ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልኪ ላፍቶ ዝርከብ መሕደሪ ታቦት ምስ ዝተፈላለዩ ክፋላት መራሕቲ ሃይማኖትን ምእመናትን ብምዃን ወፍሪ ፅሬት ኣካይደን።
እተን ምክትል ከንቲባ ኣብ ከባቢ ቤተ ክርስትያን ተረኺብን ፅሬት ዘካየዳ እንኾና፥ “በዓል ጥምቀት ካብ ሃይማኖታዊ ትሕዝትኡ በተወሳኺ ማሕበራዊ ረብሕኡ ዕዙዝ ኢዩ” ክብላ ገሊፀን።
በዓል ጥምቀት ሕብሪ ኢትዮጵያዊያን ዝግለፀሉ ፍሉይ ድምቀት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።
እቲ መርሃ ግብሪ ወፍሪ ፅሬት ኢትዮጵያዊያን ዝተፈላለየ እምነት፣ ብሄርን መንነትን የሃልዎም እምበር ሓደ ምዃኖም ዘርኢ ከምዝኾነ እተን ምክትል ከንቲባ ገሊፀን።
ኣፍቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ኣቦታት ሃይማኖት ብግደኦም፥ ኢትዮጵያውያን ንሰላምን ድሕንነትን ሃገሮም ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ተሓባቢሮም ክሰርሑሉ ዝግባእ ግዘ ኢዩ ክብሉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
Comments (0)
Add Comment