ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ይዛተያ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ ሰብ ሃፍቲ ይዛተያ ኣለዋ።

እቲ ዘተ ኣብዛ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ህሉዊ ኩነታት ዘተኮረ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ ዘተ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ንምኽባር ይወስዶ ብዛዕባ ዘሎ ስጉምቲ ሓቢረን።

እቲ ፀገም ኣብዚ ብርኪ ንከይበፅሕ መንግስቲ ፌዴራል ካብ መጀመሪያ ጀሚሩ ዝኸዶም ርሕቐታት እውን ገሊፀን።

ብዋናነት እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ህዝቢ ሽፋን ብምግባር ናይ ባዕሉ ረብሓ እንተናዲ ከምዝነበረን ጥፍኣታት እንተቀነባብር ከምዝፀንሐን ኣዘኻኺረን።

ዝነበረ ከይዲ እውን መንግስቲ ብልዑል ትዕግስቲን ምስትውዓልን እንትርእዮን ዝኸፍአ ጉድኣት ንከይበፅሕ ንምግባር ፃዕሪ ክገብር ከምዝፀንሐን ገሊፀን።

እተን ምክትል ከንቲባ ኣብታ ከተማ ዝነብሩ ሰብ ሃፍቲን ተወለድቲ ትግራይን ንሰላምን ሓድነትን ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ይዝትያ ኣለዋ።

ኣብቲ ዘተ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ብልፅግና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ መለስ ዓለም ተረኺቦም።

ብለይኩን ዓለም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment