ምክትል ኣሰልጣኒኣ ብዝተቐፅዑዎ ቢጫ ካርድ ምኽንያት ካብ ምድባ 2ይ ደረጃ ዝሰኣነት ሃገራዊት ጋንታ ስሎቬኒያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ጀርመን እናተኻየደ ዝርከብ 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ሃገራውያን ጋንታታት ዴንማርክን ስሎቪኒያ ተመሳሳሊ ነጥቢ ሪከርድታትን እናሃለዉወን ደረጃ ዝተፈላለያሉ መገዲ ንማሕበረሰብ ኩዕሾ እግሪ ዓለም ዘገርም ኮይኑ ኣሎ፡፡

ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝተደልደላ ክልቲአን ሃገራት ሰለስተ ፀወታታት ገይረን ኣብ ሰለስቲኦም ፀወታታት ማዕረ ብምውፃእ ሰሰለስተ ነጥቢታት ክሕዛ ክኢለን፡፡

ብመሰረት ሕጊ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ ኣውሮፓ ደረጃአን ንምፍላይ ኣብቲ ምድብ ዝነበረን ሕድሕዳዊ ርክብ ዘመዝገበኦ ሸቶን ከም መለክዒ ይረኣዩ እምበር ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሕድሕድ ርክበን 1 ን 1 ብዝኾ ማዕረ ውፅኢት እንትፈላለያ ክልተ ሸቶ ኣምዘጊበን ክልተ ሸቶ ተመዝጊቡወን፡፡

ኣብቲ ምድብ መሪሕ ብምዃን ንዝዛዘመት ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ ተኸቲላ ካልኣይ ትቕመጥ ሃገራዊት ጋንታ ንምፍላይ÷ ማሕበር ኩዕሾ እግሪ ኣውሮፓ ካልኦት ሕጊታት ንምትግባር ተገዲዱ፡፡

ብመሰረት እዚ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረን ኩነታት ዲስፕሊን ካሊእ መፍለዪ መልክዒ ብምግባር ኣቕሪቡ፡፡

ተፃወትቲ ክልቲአን ሃገራት ተመሳሳሊ ቁፅሪ ብጫ ካርድ ኣመዝጊቦም ነይሮም፤ ይኹን እምበር ብዘገርም ኩነታት ካብ ተፃወትቲ ወፃእ ምክትል ኣሰልጣኒ ስሎቬኒያ ሚሊቮይ ኖቫኮቪች ብጫ ካርድ ምርኣዮም ስዒቡ ዴንማርክ ብዝሐሸ ኣፈፃፅማ ስነ-ምግባር ካልኣይ ደረጃ ክትረክብ ክኢላ፡፡

ስሎቬኒያ ድማ ብምኽንያት ምክትል ኣሰልጣኒኣ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘት እንትትከውን÷ ናብ ዝቕፅል ዙር ናይ ምሕላፍ ዕድል ግን ክህልዋ ይኽእል ኢዩ፡፡

Comments (0)
Add Comment