ምክትል ኢታማዦር ሹም ሞሮኮ  ኣብ ቤት ትምህርቲ ኮማንዶ ኣየር ወለድ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ኢታማዦር ሹም ሞሮኮ ሜጀር ጀኔራል ኣዚዝ እድሪስ ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኮማንዶ ኣየር ወለድ ዑደት ኣካይዱ።

ኣብቲ ማእኸል ኣዛዚ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣመራርሓ ሌተናል ኮሎኔል ሰማኸኝ ሃይሉ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እቲ ቤት ትምህርቲ ዘለውዎ ዝተፈላለዩ ዓቕሚታት ክፍሊ ስልጠና ብምጥቃም ኣብ ውሽጢ እቲ ትካል ብዙሓት ዓቕሚታት ምፍጣር ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኢሉእውን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ግቡእ ምዕቃብ ሰላም ብብቕዓት ዝዋፃእ ዘሎ ሰራዊት ምህናፅ ከምዝተኽኣለ እውን ኣረዲኦም።

ሜ/ጀ ኣዚዝ እድሪስ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ፈላሚት ኣየር ወለድ ሰራዊት ዘጣየሸት ሃገር ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

እቲ ሰራዊት ነዊሕ ታሪክ ዘለዎ ናይ ዓወት ሰራዊት ከምዝኾነ እውን ኣዘኻኺሮም።

ንሕና እውን ካብዚ ብዙሕ ተመክሮ ረኺብና ኢና ኢሎም።

Comments (0)
Add Comment