ምክትል ቀ/ሚ ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ቤልጂየም መሰተኦም ታዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ቤልጂየም መሰተኦም ሶፊ ዊልምስ ታዛቲዮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ኣብ መንጎ ክልቲኣዊ ርክብ እተን ሃገራት ብዝምልከት ብሓባር ተላዚቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተጀመረ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቲ ዝበፅሐሉ ምዕራፍን ዝርዘር ጉዳያትን ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ቤሊጂየም ሶፊ ዊልምስ ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዝተፈጠረ ፀገም ንምክልኻል መንግስቲ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ንንፁሃን ዜጋታት ግቡእ ጥንቃቐ ብምሃብ ክፍፀም ይግባእ ኢለን።

መንግስቲ ሕጊ ናይ ምኽባር ስጉምቱ ንዜጋታት ሰብኣዊ ደሕንነትን ሓገዝን እንትበሃል ብጥንቃቐን ብሓላፍነትን ከምዝዛዝም ዘለወን ተስፋ ገሊፀን።

ኣብ መወዳእታ ታሪካዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝሓሸ ብርኪ ምትሕብባር ንምብፃሕ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ብትኹረት ከምዝሰርሑ ናይ ሓባር ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ካብ ቤት ፅሕፈት ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment