ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ምስ ተወካሊ ትካል ፈንድ ስነ-ህዝቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ተወካሊ ትካል ፈንድ ስነ-ህዝቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዴኒያ ጋይሌ ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ፤ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ኣመልኪቶም ገለፃ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ መንግስቲ ድሕንነት ንፁሃን ብዘሓለወ መልክዑ ዝተወሰደ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፈንድ ስነ-ህዝቢ ኣብ ሱዳን ዘለዉ ደቂ ኣንስትዮ ኢትጵያውያን ስደተኛታት ሓገዝ ምግባሩ እውን ንኢዶም፡፡

መንግስቲ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ብቕልጡፍ ብምዝዛም፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊሱ ኣብ ምህናፅ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ኣይተ ደመቀ፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ብዛዕባ ዝህቦ ዘሎ ኩለመዳይ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝምልከት ገለፃ እውን ገይሮም፡፡

ተወካሊ ትካል ፈንድ ስነ-ህዝቢ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኢትዮጵያ ዴኒያ ጋይሌ ብግደኦም፥ እቲ ፈንድ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ህፃናትን ደቂኣንስትዮን ዝተጠናኸረ ሓገዝ ንመሃብ ከምዝሓሰበ ምግላጾም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment