ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣየርላንድ ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣየርላንድ ሚሼል ማርቲን ዝተመር ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ትማሊ ኣማሲዩ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

እቲ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ፥ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ብርቱኳን ኣያኖ ኣቀባብላ ገይረናሎም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልዎም ፃንሒት፥ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ክዛተዩ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment