ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ኢሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰትር ተመስገን ጥሩነህ ንበዓል ኢሬቻ 2017 ዓ/ም መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም፤ በዓል ኢሬቻ ምልክት ሰላም፣ሓድነትን ሰናይ ትምኒትን ከምዝኾነ ብምሕባር ህዝቢ ኦሮሞ ብሓባር ወፂኡ ፈጣሪኡ ዘመስግነሉ ዓብይ በዓል እዩ ኢሎም።

ዝናብ ሂቡ ዘብቆሎ ፈጣሪ፣ ውሕጅን በረድን ክረምቲ ብሰላም ሓሊፉ ብሩህ ብዝኾነን ብተስፋ ናብ ዝተመልአን ብርሃን ዘሰጋገረ ፈጣሪ ንምምስጋን ናብ መልካ/ሩባ/ ወፂኡ ስርዓት ኢሬቻ ዝፍፅመሉ በዓል ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

“እንኳዕ ንበዓል ኢሬቻ 2017 ዓ.ም ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና” ክብሉ እውን ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።

ብተመሳሳሊ፤ ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣይተ ኣደም ፋራህ÷ ንበዓል ኢሬቻ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ “ባህላዊ ሓድግታትና መሳርሒ ህንፀት ሃገር ኮይኖም ንከገልግሉ ብቆራፅነት ክንሰርሕ ኢና” ክብሉ ገሊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment