ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን ገብረ ሚካኤል መበል 45 ዓመት በዓል 11 ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረ ሚካኤል መበል 45 ዓመት በዓል 11 ምኽንያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ሰላም!
ንሕና ተጋሩ ኣብ ናይ ሓባር ዕላማን ብሄራዊ ራእይን ሓቢርናን ሰሚርናን እንትንግስግስ፣ ኣብ ቅኑዕ መስመር ከም ሓደ ሰብ ረቢብና እንትንምርሽ እንተለና፣ ከመይ ተኣምር ከምንሰርሕ ይፍለጥ’ዩ። እዚ ኣብ ናይ ቀረባ ይኹን ርሑቅ ታሪኽና ደጊምና ደጋጊምና ዘረጋገፅናዮ ጉዳይ’ዩ። ወገን ይኹን ተፃባእትና እውን ኣንዳዕድዖም ዝፈልጥዎ ሓቂ’ዩ።

ኩሉ ግዜ መፃኢ ትግራይን ህዝባን ውሑስን ኣብ ነቕ ዘይብል ሰረት እንሃንፆን እውን ኣብ ናይ ሓባር ዕላማታትናን ኣጀንዳታትናን ከምቲ ልሙድ ሰሚርና እንትንምርሽን ኣብ ምጥፋእ ድኽነት ርኡይ ለውጢ እንትነመዝግብን እዩ።

ስለዝኾነ ሕዚ እውን ከም ኣመልና ውሽጣዊ ዓቕምታትና ብምጥንኻር፣ ልዕሊ ኹሉ ድማ ሰላምና ሓሊና፣ ሓድነት ህዝብና ንምዝራግ ንዝህቅኑ ኣካላት ድማ ዘይርሳዕ ትምህርቲ እናሃብና ኣብ ልዕሊ ድንቁርናን ድሕረትን ዝጀመርናዮ ቃልሲ ኣጠናኽርና ክንቅፅለሉ ይግባእ።

ርሑስ በዓል 11 ለካቲት

መልእኽቲ ዶክተር ደብረፂዮን

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment