ምክልኻል ሕማምን ምምዕባል ጥዕናን መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ብምትግባሩ ዝተባባዕ ውፅኢት ምምዝጋቡ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክልኻል ሕማምን ምምዕባል ጥዕናን መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ብምትግባሩ ዝተባባዕ ውፅኢት ምምዝጋቡ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ድጉማ ገሊፁ።

ልዕሊ 22 ነጥቢ 6 ሚሊየን ሰባት ብጥዕና ስነ ተዋልዶ፣ ስርዓተ ፆታን ኣገልግሎት ትልሚ ቤተሰብን ተረባሕቲ ኣብ ዝገብር ፕሮጀከት ዓውደ መፅናዕቲ ተኻይዱ።

እቲ ፕሮጀክት ብደገፍ ዓለም ለኸ ኤጀንሲ ትሕብበር ኮሪያ(ኮይካ) ብዝተረኸበ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ዝትግበር ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ካልኣይ ክፍሊ ፕሮጀክት ዝተመጣጠነ፣ ሕጉስን ውፅኢታዊን ቤተ ሰብ ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 2019 ክሳብ 2024 ተግባራዊ ዝኸውን ከምዝኾነ ድማ ተሓቢሩ።

ብምሰረት እዚ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ምክልኻል ሕማምን ምምዕባል ጥዕናን መሰረት ዝገበረ ፖሊሲ ብምትግባሩ ዝተባባዕ ውፅኢት ምምዝጋቡ ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment