ምእመናን በዓል እንተኽብሩ ዝተፀገሙ ብምሕጋዝ ንኽኸውን ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምእመናን በዓል እንተኽብሩ ዝተፀገሙ ብምሕጋዝ ንኽኸውን ኣቦታት ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፤ በዓል ትንሳዔ ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ፤ “ንወዲ ሰብ ንስሃ እቶ ንብሎ እናተኸተሎ ዝነበረ ክፉእ ተግባር ሙሉእ ብሙሉእ ብምሕዳግ ናብ ሰናይ ተግባር እንትምለስ ኢዩ” ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ በዓል እንትነኽብር እውን ዝተፀገሙ ብምሕጋዝን ሓድነት ሃገር ብዕርቂ ዘላቒ ሰላም ንምግባርን ቃል ብምእታው ክኸውን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ሱራፌል ኣበ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ በዓል ትንሳኤ እንትነኽብር ንድኻታትን ዓቕመ ደካማታትን፣ ኣብ ፀገም ዝርከቡ ሰባት ብምልጋስን ክኸውን ከምዝግባእ ኣብሪሆም፡፡

“ናይ ፅልኢ ሓሳብን ዘረባን ብብስራት ትንሳኤ ንለውጦ” ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ላዕለዋይ ፀሓፊ ካውንስል ኣብያተክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጌል ኢትዮጵያ ቀሺ ደረጀ ጀምበሩ ብግደኦም÷ ብሩህ ተስፋ ፅባሕ መናእሰይ ብሩህ ዝኸውን ሰላም ሃገርን ሓድነትን እንትሕሎ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ንሰላም ሃገርናን ህዝብናን ቅድሚት ብመሃብ ብሓባር ንስራሕ” ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment