ምእመኑ ብፀሎት ንኽብርትዕ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ብስእነት ሰላምን ዘይምርግጋዕን ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታትን ድሕንነት ሃገርን እናበፅሐ ዝርከብ ጉድኣት ንኸብቅዕ ምእመኑ ፀሎትን ምሕፅንትኡን ንኸበርትዕ ቤተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪባ።

ፓትሪያርክ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ቀዳማዊ፥ በቢዓመቱ 12 ጥቅምቲ ዝካየድ ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኣጀሚሮም፡፡

ምእመናን ሃገር ንምሕላው ከምኡ እውን ሰላም ምእላሽ ተግባርን ልኡኽቶን ቤተ ክርስቲያን ኢዩ ዝበሉ ብፁእነቶም፥ ኣቦታት ሃይማኖትን ኣቢያተ ክርስቲያናትን ንወገን ሰላም ንኽፅልዩ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ሰላም ንመንፈሳዊ ይኹን ዓለማዊ ህይወት ኣዚዩ ኣድላዪ ኢዩ ዝበሉ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፥ ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ብዘሎ ስእነት ሰላም ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እናበፅሐ ዝርከብ ጉድኣት ንኸብቅዕ ምእመናን ፀሎቶምን ልመነኦምን ንኸጠናኽሩ ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ኤ ኤም ኤን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment