ምንቅስቓስ ፃውዒት ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር ጉዕዞ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምንቅስቓስ ፃውዒት ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ካልኣይ ተውልዲ ኢትዮጵያዊያን ናብ ኢትዮጵያ ዝግበርዎ ጉዕዞ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ወፃኢ ዓዲ ዝነብሩ ካልኣይ ትውልዲ ኢትዮጵያዊያን ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር።

እቲ ፃውዒት ስዒቡ እቶም ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ነክጎዓዙ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኢትዮጵያ ዘውክሉ ሚሲዮናዊያን ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ኤጀንሲ ዲያስፖራን ብምዃን ተግባራዊ ምንቅስቓስ ይገብሩ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ሃገራት ኖርዲክ ምህረተአብ ሙሉጌታ መስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ እቲ ፃውዒት እቶም ኢትዮጵያዊያን ብዙሕ ዘትርፍሉ ብምዃኑ ግቡእ ሓበሬታ ንክረኽቡ ናይ ምግባር ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብመሰረት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዝገበርዎ ፃውዒት ናብ ሃገሮም ዝመፅኡ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ኣቦታቶም ዝሃነፅዋ ሃገር ብዕምቆት ንክፈልጡዋን ጥቡቕ ዘምድና ንክፈጥሩን ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ምንቅስቓስ ፃውዒት ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ ዝግበር ጉዕዞ ከምዝተጀመረ ተዛሪቦም።

ብምራኦል ከድር

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment