ምንቅስቓስ ዕድጊት ቦንድ ግድብ ህዳሰ መናእሰይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምንቅስቓስ ዕድጊት ቦንድ ግድብ ህዳሰ መናእሰይ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ኣጀሚሩ።

እቲ መርሃ ግብሪ ዕድጊት ቦንድ÷ “ኣነ እውን ብፅሒት ኣለኒ” ብዝብል መሪሕ ቃል ንተኸታተልቲ ሰለስተ ሰሙናት ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ኣብ መጀመሪ እቲ ምንቅስቓስ÷ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ኣዲስ ኣበባ በላይ ደጀን፣ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት መተሓባበሪ ተሳትፎ ህዝቢ ህዳሴ ግድብ ኣዲስ ኣበባ ምስክር ነጋሽን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሊግ መናእሰይ መለስ ኣባተ ተረኺቦም፡፡

ኣብ ምንቅስቐስ እቲ ዕድጊት ቦንድ ካብ መናእሰይ እታ ከተማ ልዕሊ 80 ሚሊየን ብር ንምእካብ ከምዝተሓሰበ ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ተዛሪቦም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት መተሓባበሪ ተሳትፎ ህዝቢ ህዳሴ ግድብ ኣዲስ ኣበባ ምስክር ነጋሽ÷ ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንምዝዛም መናእሰይ ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበሩ ከምዝርከቡ ብምሕባር፤ ዝገብሩዎ ሓገዝ ኣጠናኺም ንኽቕፅሉ ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

Comments (0)
Add Comment