ምንቅስቓስ ንግዲ ዘተዓናቐፉ 25 ሺሕን 68 ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ተወሲዱዎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቫይረስ ኮሮና ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ስዒቡ ምንቅስቓስ ንግዲ ኣብ ልዕሊ ዘተዓናቐፉ 25 ሺሕን 68 ትካላት ንግዲ ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ እቶም ትካላት ካብ መጠንቀቕታ ጀሚሩ ክሳብ ምዕሻግ ዝበፅሕ ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ 13 ሺሕን 350 ትካላት ከምዝተዓሸጉን 404 ትካላት ንግዲ ድማ ንግዲ ፍቓዶም ከምዝተኣገደን ተዛሪቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ናይ 890 ትካላት ንግዲ ፍቓድ ከምዝተሰረዘን ን10 ሺሕ ትካላት ንግዲ መጠንቀቕታ ከምዝተውሃበን ገሊፆም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ድማ 420 ውልቀ ሰባት ተኣሲሮም ኢዮም።

ኣይተ መላኩ ኣብ መግለፂኦም ቀረብ ፍርያት ንምምሕያሽን ብፍርያት ውሽጢ ዓዲ ንምሽፋንን እናተሰርሐ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment