ምትግባር ስምምዕነት ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ህዝቢታት እቲ ተፋሰስ ዓብዪ ተስፋ ዝገብሩሉ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 32 ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሃገራት ተፋሰስ ኣብ ዩጋንዳ ካምፓላ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂ ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር ኢ/ር)÷ ምትግባር ስምምዕነት ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ስዒቡ ዝመፅእ ምጥያሽ ኮሚሽን ናይል ቤዝን ህዝቢታት እቲ ተፋሰስ ዓብዪ ተስፋ ዝገብሩሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ኣብ ስምምዕነት ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ዝተርኣየ እወንታዊ ዝላ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ኮሚሽን ናይል ቤዝን ንምጥያሽ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ ከምዝበፅሐ ገሊፆም፡፡

እቲ ቤት ምኽሪ ንኮሚቴ ቴክኒክ ናይልን ንኢኒሸቲቭ ናይል ቤዝንን ትካላዊ ትልሚ ትግበራ ንምስንዳእ ኣንፈት ንኸቕምጥ ሓቲቶም።

ብኻሊእ መዳይ እቶም ሚኒስትር የናይል ቤዝን ኢኒሼቲቭ ሀብት ከማሰባሰብ ጋር ተግዳሮቶችና እጥረቶች እንዳሉበት አንስተው፤ በጉባኤው አስቻይ ሁኔታዎችን የሚፈጥር አቅጣጫ እንደሚቀመጥ እምነታቸውን መግለፃቸውን ከሚኒስቴሩ ያገኘነው መረጃ ያመላክታል፡፡

ጎድና ጎድኒ መበል 32 ጉባኤ ሚኒስትራት ሃገራት ተፋሰስ፤ መበል 27 ጉባኤ ካውንስል ቃላያት ኢኳቶሪያል እናተኻየደ ይርከብ።

Comments (0)
Add Comment