ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምሕዝነትን ክልተኣዊ ምትሕብባርን ኢትዮጵያን ኩባን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ገሊፆም።
ካብ 4 ክሳብ 5 መስከረም 2016 ዓ.ም ኣብ ኩባ ሃቫና ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ጉጅለ 77ን ቻይናን ብኣይተ ደመቀ መኮንን ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ ተሳቲፉ።
ኣይተ ደመቀ መኮንን ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ምስ ፕሬዚዳንት ኩባ ሚጉዌል ቤርሙዴዝን ካልኦት ሰብ መዚ እታ ሃርን ኣብ ክልተኣዊ ዛዕባታት እተን ሃገራት ጠሚቶም ተዛቲዮም።
ክልተኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ኩባን ካብ ስሩዕ ክልተኣዊ ርክብ ሓሊፉ ብደምን መስዋእትነትን ዝተኣሳሰረ ፍሉይ ታሪኻዊ ርክብ ዘለዎ ከምዝኾነ ኣይተ ደመቀ ገሊፆም።
ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ትምህርቲን ካልኦት ዓውዲታትን ጥንኩር ምትሕብባር ዘለወን ከምዝኾና ብምሕባር÷ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክበን ዓብዪ ቆራፅነት ዘለዎ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ምስ ፕሬዚዳንት ኩባ ሚጉዌል ቤርሙዴዝ ኣብ ዝተገበረ ልዝብ እውን ዝፀንሐ ጥንኩር ምሕዝነትን ናይ ምትሕብባር ርክብን ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ገሊፆም።
ርክብ ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ንምጥንኻር ብብርኪ ሚኒስትራት መድረኽ ምኽክር ንምክያድ ከምዝተስማዕምዑ እውን ኣብሪሆም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com