ምትሕብባር ኢትዮጵያን ሩስያን ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ይሸጋገር ኣሎ – ኣምባሳደር ዩቭጋኒ ቴራኺን 

ምትሕብባር ኢትዮጵያን ሩስያን ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ይሸጋገር ኣሎ – ኣምባሳደር ዩቭጋኒ ቴራኺን

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ምትሕብባር ኢትዮጵያን ሩስያን ናብ ዝሓሸ ምዕራፍ ይሸጋገር ኣሎ ክብሉ ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ዩቭጋኒ ቴራኺን ተዛሪቦም።

 

ሩስያን ኢትዮጵያን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዝገበረኦም ስምምዕነታት ናብ ተግባር ብምቕያር ኩለ መዳይ ምትሕብባረን ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ዘኽእለን ተግባራት ኣብ ምፍፃም ከምዘለዋ እቶም ኣምባሳደር ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ገሊፆም።

 

ኢትዮጵያ ሐዘ ዘጋጠማ ፀገም ብዓወት ንክትዛዝም ሩሲያ ብፅኑዕ ከምእትኣምን ሓቢሮም።

 

ብተወሳኺ ብማህበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓውዲታት ዝለዓለ ውፅኢት ንምምዝጋብ ዝጀመረቶ ፃዕሪ ሃገሮመ ከምእትድግፍ ተዘሪቦም።

 

ሃገሮም ኣብ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ዓውዲታት ንኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ድጋፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፀዕል ገሊፆም።

 

ክልቲአን ሃገራት ኣብ ሰላማዊ ዓውዲ ልምዓት ኒውክለር ዝፈፀምኡ ስምምዕነት ናብ ዝለዓለ ምዕራፍ ይሸጋገር ኣሎ ኢሎም።

ብወንድዎሰን  ኣረጋኽኝ

 

 

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

 

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

 

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

 

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

 

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

 

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

 

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

 

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment