ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዘሎ ምትሕብባር ሓሬታ፣ ቢዝነስን መሰረተ ልምዓትን ዘጠናኽሩ ስምምዓት ተፈሪሞም።
እቶም ስምምዓት ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሩሲያ ኣፍሪካ እናተሳተፈ ብዝርከብ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዝተፈረሙ ኢዮም።
ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ብብርኪ ዓለም ድሕንነት ሓበሬታ ብዝምልከት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ስምምዓት ዝፈረሙ÷ ሚኒስትር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ሩሲያ ሰርጌይ ላቭሮቭን ኢዮም።
እቲ ስምምዕነት ብብርኪ ዓለም ኣብ ዘፈር ድሕንነት ሓሬታ ዓቕሚ ንምህናፅ፣ ድሕንነት ሳይበር ምሕላው፣ መሰረተ ልምዓትን ዓቕሚ ቴክኖሎጂን ብሓባር ንምጥቃም ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ዘፈር ግልጋሎት ትራንስፖርት ኣየር ክልቲአና ሃገራት ምድንፋዕ ዕላምኡ ዝተገበረ ስምምዕ እውን ካብ ሞንጎ ዝተፈረሙ ስምምዓት ሓደ ኢዩ።
እቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ ሚኒስትር ትራንስፖርት ሩሲያ ኢጎር ቻሊክ÷ ሩሲያ ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ዘለዋ ምትእስሳር ንምጥንኻር መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዓብዪ ግደ ከምዝህልዎ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com