ምቕታል ያህያ ሲንዋር መዛዘመ እቲ ኲናተወ ኣይኮነን – ቀ/ሚ ኔታንያሁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)እስራኤል መራሒ ሓማስ ዝነበሩ ያህያ ሲንዋርን ኣብ ጋዛ ከምዝቐተለቶ ኣረጋጊፃ ኣላ፡፡

ነዚ ስዒቡ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ቤንያሚን ኔታንያሁ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ምቕታል ያህያ ሲንዋር ልዑል ዓወት ይኹን እምበር መዛዘሚ እቲ ኲናት ከምዘይኮነ ኣፍሊጦም፡፡

ብመሰረት እዚ ኣብ ትሕቲ ዕግታ ሃማስ ዝርከቡ እስራኤላውያን ክሳብ ዝልቀቑ ኲናት ክቕፅል ኢዩ ምባሎም ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ብዙሓት እስራኤላውያን ንኽቕተሉን ክዕገቱን ብዝተገበረ መጥቃዕቲ 7 ጥቅምቲ፤ ግደ ያህያ ሲንዋር ዕዙዝ ከምዝነበረ ብምሕባር÷ ምቕታል እቲ መራሒ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ክልውጦ ከምዝኽእል ኣመልኪቶም፡፡

ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ብግደኦም÷ “ምቕታል ያህያ ሲንዋር ንእስራኤል ኢሉ እውን ንኣሜሪካ ዓብዪ ዓወት ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ መራሒ ምቕታሉ እቲ ኲናት ኣብ ሓፂር እዋን ንኸብቅዕ ክገብሮ ከምዝኽእል ገሊፆም፡፡

ብኻእ መዳይ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ፍሉይ ልኡኽ ኢራን ከምዝበሉዎ÷ “መቕተልቲ ያህያ ሲንዋር ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ንእስራኤል ንምቅላስ ዘለዓዕል መንፈስ ዝህብ ኢዩ” ኢሎም፡፡

እቲ ኲናት ከበኣእሶ ከምዝኽእል እውን ኣብሪሆም፡፡

Comments (0)
Add Comment