ምስ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ዘተ እናተኻየደ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊ ፃዒውት ብምቕባል ናብ ሃገር ምስ ዝኣተዉ 2ይ ትውልዲ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሙዚየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ዘተ እናተኻየደ ይርከብ።

እቲ ዘተ “ታሪኺዊ መሰረቶም ይፍለጡ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኻየደ ዝርከብ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ፣ የከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ዳያስፖራታት ከምኡ እውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ÷ ዳያስፖራ ኣብ ሃገሩ ዝተዓዘቦ ንካሊእ ዓለም ኣብ ምፍላጥ ናይ ኣምባሳደርነት እጃሙ ንኽዋፃእ መልእኽቲ ኣመሓሊፈን።

ዳያስፖራ ሃገሩን ባህሉን ካብ ምፍላጥ ሓሊፉ ብተግባር ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት እናሓገዘ ከምዝርከብ እውን ገሊፀን።

ኢትዮጵያ ኣብ ቅልጡፍ መገዲ ልምዓት ትርከብ ዝበላ እተን ከንቲባ÷ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ እዚ ክቕፅል ኣብ ምግባር፣ ምጥንኻን ምፅናዕን ናይ ባዕሉ ኣሰር ንኸንብር ሓቲተን፡፡

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment