ምስ ፀገም ፀፅታ ዞባ መተከል ብዝተተሓሓዘ ዝተጠርጠሩ ክልተ  ተወሰኽቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ዉዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ፀገም ፀፅታ ዞባ መተከል ብዝተተሓሓዘ ዝተጠርጠሩ ክልተ  ተወሰኽቲ ላዕለዎት ኣመራርሓ ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ከምዝወዓሉ ቢሮ ህንፀት ሰላምን ፀፅታን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ሙሳ ሃሚድ ከምዝበልዎ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ቁፅፅር  ካብ ዝወዓሉ ሓደ ዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ኣትንኩት ሽቱ ኢዮም።

ብተወሳኺ ምክትል ኮሚሽነር እቲ ክልል ኢንስፔክተር ምስጋና እንጂፈታ ኣብቲ ፀገም ፀፅታ ኢዶም አለዎ ብዝብል ተጠርጢሮም ኣብ ቁፅፅር ዉዒሎም ኣለዉ።

ሰላም እቲ ዞባ ናብ ንቡር ክሳብ ዝምለስ በቲ ዝተገለፀ ፀገም ፀፅታ ዝተጠርጠሩ ኣመራርሓ ሓዊሱ ካልኦት ውልቀሰባት ናይ ምህዳን ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ኣይተ ሙሳ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment