ምስ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ሃገር ብምትርማስን ብምፍራስን ንምስታፍ ምድላው እናገበሩ ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ይውዕሉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ሕቡእ ምትእስሳር ብምግባር ሃገር ብምትርማስን ብምፍራስን ንምስታፍ ምድላው እናገበሩ ዝርከቡ ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ናይ ምውዓል ምንቅስቓስ ተጠናኺሩ ቀፂሉ።

ካብ ህወሓትን ሸኔን ልኡኽቶ ጥፍኣት ተቐቢሎም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ህውከት፣ ዕግርግርን ራዕዲን ንምፍጣር ምድላው እናገበሩ ዝነብሩ ተጠርጠርቲ ሃንደበታዊ ፍተሸ ብምግባር ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናትን ሰነዳትን ክሕዝ ከምዝተኸኣለ ኢዮም ንሓበሬታ ቅርበት ዘለዎም ፍልፍላት ኣረጋጊፆ ዘለዉ፡፡

ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ወረዳ 7 ምስ ጁንታ ምትእስሳር ኣለዋ ብዝብል ካብ ሕብረተሰብ ብዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ መንበሪ ገዛ ብዝተገበረ ሃንደበታዊ ፍተሻ ክልተ ክላሽንኮቭ ጠመንጃታት ምስ መሰል 60 ጠያይቲ ከምኡ እውን ክልተ ሽጉጣት ምስ 20 መሰል ጠያይቲ ብኣካላት ፀፅታ ከምዝተትሓዙ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝፈልጡ ፍልፍላትና ገሊፆም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ አዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ ክልተ ዝርከብ ኣትላስ ሆቴል ንሰለስተ ዓመታት ዘኣክል ዓራት ብመሓዝ ምስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ብሕቡእ ብምርኻብ ልኡኽቶ እናተሓባበረ ዝነበረ ሓደ ተጠርጣሪ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ፡፡

እቲ ተጠርጣሪ ኣብ ዝዓረፈሉ ዎቴል ብዝተገበረ ሃንደበታዊ ፍተሸ፥ መዕወኒ ሓሽሽ፣ ሰለስተ ኮምፒዩተራት፣ ክልተ ፕሪንተራት፣ ሸውዓተ ዝተፈላለዩ ማሕተማት፣ ሓደ ላፕቶፕን ሓደ ዓቢዩ ማይክን ተታሒዙ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፃት ንምፍናው ዘሰናደኦም ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳታት ምስ ክልተ ሓገዝቱ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ብመረዳእታ ዝተትሓዙ ፎቶታት ኣተሓሒዞም ቅርበት ዘለዎም ፍልፍላትና ልኢኾምልና።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment