ምስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ርክብ ዘለዎም 33 ሰባት ይቕሬታ ብምሕታት ናብ ህዝቢ ተሓዊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ምዕራብ ኣርሲ ወረዳ ሄበን ኣርሲ ምስ ግብረ ራዕዲ ሸኔ ርክብ ዘለዎም 33 ሰባት ይቕሬታ ብምሕታት ናብ ህዝቢ ተፀምቢሮም።

ምስ ግብረ ራዕዳውያን ህውሓትን ሸኔ ርክብ ዝነበሮም እቶም ሰባት÷ ህወሓትን ሸኔን ርክቦም ብምጥንኻር ኣብ ልዕሊ ሃገር ኲናት ምኽፋቶም ዝተወገዘን ኣጀንዳኦም ድማ ዕንወት ምዃኑን ስለዝተረዳእና ናብ ህዝብና ተመሊስና ኢና ኢሎም፡፡

“ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፀላኢ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ምዃኑ ብዝግባእ ተረዲእና ኢና፤ ኣብ ጎኒ ህዝብና ብምዃን ሉኣላዊነት ሃገርና ንምኽባር ክንሰርሕ ኢና” ክብሉ ተዛሪነቦም፡፡

ምክትል ኣመሓዳሪ ዞባ ምዕራብ  ኣርሲ ኣይተ ኣሕመድ ሓጂ÷ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ዝተረድኡ መናእሰይ ኣጀንዳ ጥፍኣት እቶም ግብረ ራዕዳውያን ተረዲኦም እናተመለሱ ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዱር ዝርከቡ ንምምላስ ብሽማግለታት ሃገርን ኣባ ገዳታትን ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ፃውዒት ሰላም ህዝቦም ገዲፎም ኣጀንዳ ጥፍኣት ኣብ ዘራምዱ ሰባት እናተወሰደ ዘሎ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም።

ከባኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment