ምስ ኲናት ተተሓሒዙ ዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ቀዳማይ ፀብፃብ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ሚኒትራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ምስቲ ኲናት ተተሓሒዞም ዝተፈፀሙ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ቀዳማይ ፀብፃብ ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ግብረ ሓይሊ÷ ኣብ ዝሓለፉ 8 ኣዋርሕ ማለት እውን ካብ መስከረም ክሳብ 25 መጋቢት 2014 ዓ.ም ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ገይሩ ዘሎ።

እቲ ምርመራ 11 ጉጅለ ምርመራ ብምጥያሽን 158 ሰብሞያ ሞያዊ ስልጠና ብመሃብን ስራሕቲ ምርመራ ከምዝተሳለጡ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ንምምርማር እቲ ክልል ሕዚ እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ስለዝኾነ መብዛሕትኡ ምርመራ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተፈፀሙ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ትኹረት ከምዝገበረ እውን ተገሊፁ፡፡

ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብዝተገበረ ምርመራ 2 ሺሕን 831 ሰባት ብግብረ ራዕዲ ህወሓት ከምዝተቐተሉን ኣብ ልዕሊ 452 ሰባት ልዑል ኢ-ሰብኣዊ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝፈፀመን ተሓቢሩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 36 ሰባት ናበይ ከምዝኣተዉ ከምዘይተፈለጠ፣ 26 ሺሕን 334 ኣባይቲ ከምዝተቓፀሉ፣ ልዕሊ 865 ሺሕ ኩንታል እኽሊ ከምዝዓነወ፣ 411 ሺሕ እንስሳት ከምዝተቐተላን ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ጣቢያታት ጥዕናን ሆስፒታላትን ከምዝዓነዉ እቲ ቀዳማይ ፀብፃብ ኣመልኪቱ፡፡

ብፀጋዬ ወንደሰን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment