ምስ ኮቪድ-19 ጋር ተተሓሒዙ ሓሬታታት ኣብ ምጥቃም ዓቕሚ ትካላት ሃይማኖት ዘጎልብት መርሃ ግብሪ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ለበዳ ኮቪድ-19 ጋር ተተሓሒዙ ሓሬታታት ኣብ ምጥቃም ዓቕሚ ትካላት ሃይማኖት ዘጎልብት መርሃ ግብሪ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ብትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ዝተሰናደአ ሰነድ መዕበዪ ግንዛበ ኮቪድ-19 ዕላዊ ተገይሩ፡፡

ሚኒሰስቴር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ÷ ማእኸል መተሓባበሪ ሃንደበታዊ ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ ብምጥያሽ ዝርገሐ እቲ ለበዳ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኩለመዳይ ስራሕቲ እናሰርሐ ስለዝኾነ፤ እቲ ለበዳ ዘስዕቦ ዝኸፍአ ጉድኣት ምንካይ ከምዝተኽኣለ ተዛሪበን።

ኣብ ውሽጢ ማሕበረሸብ ዝስተውዓሉ ክፍተታት ግንዛበ ብምምላእ ስራሕቲ ምንቅስቓስን ግንዛበን ኣጠናኺርካ ክቕፅልል ንምግባር ምስ ትካላት ሃይማኖት ብምትሕብባር እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሀን፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment