ምስ እዋናዊ ኩነታት ተተሓሒዙ ዝግበር ስወራ ታክሲ ንምክልኻል እኹል ምድላው ተገይሩ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ እዋናዊ ሃገራዊ ኩነታት ከም ኣጋጣሚ ብምጥቃም ምጭብርባር ታክሲ ንምግባር ዝፍትኑ ዝተወሰኑ ትካላት ከምዘለዉ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ።

ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ እቲ ሚኒስቴር ምስ ምርመራ ቢሮ ፖሊስ ፌዴራልን ዓቃቢ ሕጊን ብምዃን ምጭብርባር ታክሲ ዝገበሩ ኣካላት እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፁ።

እዞም ትካላት ካብ ጁንታ ተፈሊዮም ስለዘየረኣዩ ጥንኩር ስጉምቲ ንምውሳድ ምድላው ከምዝተገበረ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስትር እቶት ኣይተ ዘመዴ ተፈራ ተዛሪቦም፡፡

ብኻሊእ መልክዑ ሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስትር 77 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ካብ መሃየኦም ንሰራዊት ምክልኻል ሓገዝን ልገሳ ደምን ምግባሮም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment