ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክንሰርሕ ኢና – ሚኒስትር ገንዘብ ቻይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቻይና ምስ ኢትዮጵያ ተቐራሪባ ምስራሕ ከምትቕፅልን ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳራ ብዝበለፀ ከምተጠናኽርን ሚኒስትር ገንዘብ እታ ሃገር ሊዩ ኩን ገሊፆም፡፡

ብሚኒስትር ገንዘብ ኣህመድ ሽዴ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ምስ ሚኒስትር ገንዘብ ቻይና ሊዩ ኩን ኣብ ቤጂንግ ተዛቲዩ፡፡

ክልቲአን ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነተን ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሎም ዛዕባታት ዕዉት ዘተ ምግባሮም ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቤጂንግ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣይተ ኣህመድ ሽዴ፥ ኢትዮጵያ ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ትራንስፎርሜሽን ንምርግጋፅ እናገበረቶ ንእትርከብ ፃዕሪ ቻይና ትገብሮ ዘላ ሓገዝ ንኢዶም።

ካብ እዋን ናብ እዋን እናዓበየ ዝመፅአ ምትሕብባር ንግዲን ኢንቨስትመንት ቻይና-ኣፍሪካ ኣብ ሓበራዊ ረብሓን ናፅነትን ፖሊሲ ዝተስረተ ከምዝኾነ እውን ኣልዒሎም፡፡

ሚኒስትር ገንዘብ ቻይና ሊዩ ኩን ብግደኦም÷ ቻይና ካብ ኢኮኖሚያዊ ድኽነት ንምውፃእ፤ ኢሉ እውን ኢኮኖሚኣ ኣዕቢያ ሕዚ ዝበፅሐትሉ ብርኪ ንምብፃሕ ዝኸደቶ ጉዕዞ ኣመልኪቶም ነቲ ጉጅለ ልኡኽ መብርሂ ሂቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment