ምስ ቢግ ዊን ፊላንትሮፒ ኣብ ሓደሽቲ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዕና – ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)”ምስ ቢግ ዊን ፊላንትሮፒ ኣብ ዝጀመርናዮምን ካልኦት ሓደሽቲ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዕና” ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ሎሚ መዓልቲ ምስ መስራቲትን ፕሬዚዳንት ቢግ ዊን ፊላንትሮፒ ጄሚ ኩፐርን ጉጅለአንን ከምዝተዛተዩ ገሊፆም።

እቲ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ምንካይ ድኽነትን ዝበረታትዑ ስራሕቲ ከምዝሰርሐ ገሊፆም።

ምስ ቢግ ዊን ኣብ ኣተገባብራ ቃል ኪዳን ሰቆጣን ብምትሕብባር ኣብ ዝስርሑ ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ዝጠመተ ምኽክር ከምዝተገበረ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር÷ እዚ ናይ ምትሕብባር ምዕራፍ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ኣብ ዝተጀመሩን ካልኦት ሓደሽቲ ዓውዲታትን ምትሕብባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment