ምስ ስፔን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝጋጠም ብሄራዊ ጋንታ ሎሚ ምሸት ክፍለጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ስፔን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝጋጠም ብሄራዊ ጋንታ ሎሚ እንግሊዝን ኔዘርላንድስ (ሆላንድ)ን ኣብ ዝገብርኡ ፀወታ  ክፍለጥ ኢዩ።

እንግሊዝን ኔዘርላንድስ (ሆላንድ)ን ፀወታ ፈርቂ ፍፃመ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ስታዲየም ሲግናል ኢዱና ፓርክ  ከካይዳ ኢየን።

ኣብ ፀወታ ርብዒ ፍፃመ፥ እንግሊዝ ንስዊዘርላንድ፣ ኔዘርላንድስ ንቱርክ ብምስዓር ናብ ፈርቂ ፍፃመ ምፅንባረን ይዝከር።

ትማሊ ኣብ ዝተሳለጠ ፀወታ ናብ ፍፃመ መን ሓለፈ፥ ስፔን ኣብ ልዕሊ ፈረንሳይ 2 ን1 በዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ ኢያ።

ስለዚ ምስ ስፔን ኣብ ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣውሮፓ ዝጋጠም ብሄራዊ ጋንታ ሎሚ ምሸት ክፍለጥ ኢዩ።

Comments (0)
Add Comment