ምስ ስራሕቲ ኣቪዬሽን ተተሓሒዙ ካብ ኢትዮጵያ ልምዲ ክወስድ ይደሊ ኢየ – ጋቦን

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓውዲ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ እናሰርሐትሉ ትርከብ ምስ መተሓዳደሪ ደምቢ፣ ሕጊ ተንከፍ ዝኾኑ ጉዳያትን ስርዓት ኣወሃህባ ብዝምልከት ልምዲ ክትዓትር ከምትደሊ ሲቪል ኣቪዬሽን ጋቦን ኣፍሊጡ፡፡

ብዳይሬክተር ጄኔራል ሲቪል ኣቪዬሽን ጋቦን ኤሪክ ትሪስታን ዝተመርሐ 14 ኣባላት ዘለዉዎ ልኡኽ ምስ ምክትል ዋና ዳይሬክተራት በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ መንግስቱ ንጉሴን ሚካኤል ተስፋዬን ኣብ ሞንጎ ትካላት ክልቲአን ሃገራት ብሓባር ኣብ ዝሰርሑዎም ጉዳያ ጠሚቶም ተዛቲዮም፡፡

እቲ ልኡኽ ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ምስ በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ክሰርሑ ኣብ ዝኽእሉሎም ስራሕቲ ምትሕብባር ንምዕዛብ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፅአ ኣፍሊጡ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ እናሰርሐቶ ትርከብ ኣብ መተሓዳደሪ ደምቢ፣ ካልኦት ሕጊ ተንከፍ ዝኾኑ ጉዳያትን ስርዓት ኣወሃህባ ፍቓድን ዝምልከት ጋቦን ልምዲ ክትቀስም ከምትደሊ ምግላፁ ሓበሬታ እቲ በዓል መዚ የመላኽት፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ መንግስቱ ንጉሴ÷ ኣብ ዓውዲታት ቁፅፅር ትራፊክ ኣየርን ምቕናይ መራኸቢ ናቪጌሽንን ስልጠና ብመሃብ ዝኻዕበተ ልምዲ ከምዘለዎን ልምዱ ንምክፋል ድሉው ከምዝኾነን ኣረጋጊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment