ምስ ሳፋሪኮም-ኢትዮጵያ ስምምዕነት ክራይ ዓምዲ ኮንክሪት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣገልግሎት ኤሌክትሪክኢትዮጵያ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕር ሳፋሪኮም-ኢትዮጵያን ስምምዕነት ክራይ ዓምዲ ኮንክሪት ተፈራሪሞም፡፡

እቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣይ ሽፈራው ተሊላን ዋና ፋሚ ስራሕ ሳፋሪኮም-ኢትዮጵያ ኣንዋር ሶውሳን ኢዮም፡፡

ኣይተ ሽፈራው ተሊላ ከምዝበሉዎ፥ ዝተፈረመ ስምምዕነት ክራይ ዓምዲ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ንቴሌኮም ኣገልግሎት ንምጥቃም ዘኽእል ከምዝኾነ ብምሕባር፤ መሰረተ ልምዓታት ብሓር ምጥቃም ምኽኣሉ ፅሬት ዘለዎን ዘተኣማምንን ኣገልግሎት ንመሃብ ዘኽእል ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቲ ኣገልግሎት ኪራይ ኣብታ ሃገር ዝተዘርግሑ ዓምዲታት ኤሌክትሪክ ብሓባር ንምጥቃም ዘኽእል ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ኣታዊ እቲ ትካል ንምድንፋዕ ርኡይ ግደ ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣንዋር ሶውሳ ብግደኦም፥ ዝተፈረመ ስምምዕነት ናይ ክልቲኦም ትካላት ሃፍቲ ብሓባር ንምጥቃም ዘኽእልን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎን ብምግላፅ፤ ቀንዲ ዕላማ እቲ ስምምዕነት ብኣገልግሎት ኤሌክትሪክ አትዮጵያ ዝተዘርግሑ ፖላት ኮንክሪት ኤሌክትሪክ ብሓባር ንምጥቃም ዘኽእል ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment