ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ህዝቢ ድሕሪ ዝተገበረ ዘተ ብዝተሰርሐ ሰላምን ሕጊን ናይ ምኽባር ስራሕ ውፅኢት ከምዘምፀአ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ገሊፆም፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተወሰደ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕ ዝተጀመረ ህዝቢ ብዘልዐሎም ሰፋሕቲ ሕቶታት ምኽንያት ብምግባ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ህዝቢ ካብ ዘልዐሎም ዓበይቲ ጉዳያት ጉዳይ ሰላም፣ ናህሪ ዕዳጋን ሰናይ ምምሕዳርን እቶም ቀንዲ ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።
ብዝተገበረ መፅናዕቲ ድማ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራን ቤኒንሻንጉልን ዓቢዪ ፀገም ፀፅታ ከምዘሎን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ዝርፊያን ናይ ጸላኢ ልኡኻት ከምዘለዉን ክረጋገፅ ከምዝኸኣለ ኣብሪሆም፡፡
ኣብ ክልል ሶማሌ እውን ጉዳይ ኮንትሮባንድን ኣልሸባብን ፀገም ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡
ነዚ መሰረት ብምግባር ብዝተጀመረ ስጉምቲ፤ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ውፅኢታዊ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ከምዝተኻየደ ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ፥ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 1 ሺሕ ኣባላት ሸኔ ከምዝተቐተሉን ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ከምዝተማረኹን ገሊፆም።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ 3 ሺሕን 500 ዝኸውን ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ብምግላፅ፥ ኩሎም ዝኸድዑ ኣባላት ሰራዊት ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ ልዕሊ 2 ሺሕ ዝኾ ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡
ብዙሕ ኩንታል ሓሽሽን ዘይሕጋዊ ገንዘብ ከምዝተትሓዘን ዝገለፁ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኣብ ካልኦት ክልላት እውን ኣብ ጉዳይ ሰላም፣ ምኽባር ናብራን ካልኦትን ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣብሪሆም፡፡
ብሓፈሻ ድሕሪ ምስ ህዝቢ ዝተገበረ ዘተ ብዝተሰርሐ ስራሕ ሰላምን ሕጊን ናይ ምኽባር ስራሕ ውፅኢት ከምዘምፀአ ተገምጊሙ ኢዩ ኢሎም፡፡
ብዝተወሰደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ድማ ህዝቢ ሰላሙ ከምዝረኸበን ኣዚዩ ሕጉስ ከመዝኾነን ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ብዛዕባ ሚዲያን ምእሳር ጋዜጠኛታትን ኣመልኪቱ ዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃቡዎ መልሲን መብርሂን፥ “ፅዕንቶ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰፊሕ ከምዝኾነን ረብሑኡ እናተጠቐምና ጎዳኢ ፅዕንትኡ ንንክየሉ መገዲ ምድላይ የድሊ” ኢሎም።
ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣታዊ ዝረኽቡ ሰባት በቲ ኣታዊ ዝብገስ ናይ ሕሶትን ጎዳእቲን ዜናታት ከምዝሰርሑን እዚ ድማ ክስተኻኸለሉ ዝግባእ መገዲ ምእላሽ ከምዘድሊን ኣብሪሆም።
ኣንቃሕቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝበሃሉ ሰባት ኣብ ተግባር ጥፍኣት ዝሳተፉ ከምዝኾ እውን ገሊፆም። “ጋዜጠኝነት ዝኽበር ሞያ ኢዩ፤ ካብ ወረ ፖለቲካ ሓሊፉ ብትግሃት ምስራሕ የድሊ፤ ሃገር እናፍረሱ ኣብ ልዕሊ ህልውና ሃገር እናቆመሩ ግን ሞያ የለን” ብምባል ጋዜጠኝነት መሕብኢ ገበን ዘይኮነስ መፈልፈሊ ሓሳብ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ዝኾነ ይኹን ኣካል ዝተትሓዘ ኣብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ እምበር ብኻሊእ ዕላማ ከምዘይኮነ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።