ምስ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ብምውዳድ ልኡኽቶ እናፈፀሙ ተታሒዞም ዝተብሃሉ ሽዱሽተ ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ብምውዳድ ልኡኽቶ እናፈፀሙ ተታሒዞም ዝተብሃሉ ሽዱሽተ ተጠርጠርቲ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

እቶም ልኡኽቶ ኣብ ምፍፃም እናሃለዉ ተታሒዞም ዝተብሃሉ ፍሉይ ሓይሊ ህወሓትን ሚሊሻታትን ሻምበል ፃዲቅ ኪሮስ፣ ብርሃኑ ፍፁም፣ ምከትል ሳጅን ኣሰፋ መኣዛ፣ ዋና ሳጅን ሞገስ ደሳለኝ፣ ሃይሌ ኣብርሃን ፈይሳ ተካን ኢዮም።

ጉጅለ ምርመራ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል፥ ተጠርጠርቲ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ኣራዳ እዋን ቆፀሮ ኣቕሪቡ ንተወሳኺ ምርመራ ግዘ ሓቲቱ።

እቶም ተጠርጠርቲ ሕገመንግስቲን ብፈተነ ገበን ምፍራስ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓትን ከምኡ እውን ብኽሕደት ሃገር ዝተጠርጠሩ እንትኾኑ፥ ምስ ፀረ ሰላም ሓይሊታት ህወሓትን ኦነግ ሸኔን ብምውዳድ ልኡኽቶ እናፈፀሙ እናሃለዉ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝተተሓዙ መርማሪ ፖሊስ ገሊፁ ።

ጠበቓታት ተጠርጠርቲ ብግደኦም ምስ ተጠርጠርቲ እኹል ብዝኾነ ኩነታት ከምዘይተራኸቡን ከምዘይተዛተዩን ተዛሪቦም።

ቤት ፍርዲ ተወሳኺ እዋን ዝፈቅድ እንተኾይኑ እውን ሓፂር እዋን ቆፀሮ ክህብ ይግባእ ኢሎም።

ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ቤት ፍርዲ ድማ ንመርማሪ ፖሊስ ብመንፅር ዝጀመርኩዎ ምርመራ ተወሳኺ እዋን የድሊየኒ ኢዩ ክብል ካብ ዝሓተቶ 14 መዓልቲ ምርመራ 11 መዓልቲ ምርመራ ፈቒዱ።

ብታሪኽ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment