ምስ ህልው ኩነታት ትግራይ ብዝተተሓሓዘ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዝቐርቡ ወቐሳታት ብመረዳእታ ዘይተደገፉ እዮም – ኣይተ ለማ ተሰማ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ትግራይ ዘካየዶ ወፍሪ ምኽባር ሕግን እቲ ስጉምቲ ድሕር ምውድኡ ኣብቱ ክልል ዘሎ ሓፈሻዊ ኩነታት ኣድሂቡ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ዘቕርቦም ዘሎ ወቐሳታት ብመረዳእታ ዘይተደገፉ ምዃኖም ኣካቢ ቦርድ መርማሪ ህፁፅ ኣዋጅ ኣይተ ለማ ተሰማ ገሊፆም።

ኣይተ ለማ ብፍሉይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝበሉዎ፥ እቲ ቦርድ ካብ ዝጣየሽ ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ትግራይን መዋሰንቲ ከባቢታት ክልል ኣምሓራን ብኽልተ ዙር ተዘዋዊሩ ዑደት ገይሩ ኢዩ።

ምስ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ ተተሓሒዞም ብማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርቡ ወቐሳታት ብመረዳእታ ዘይተደገፉ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እዞም ኣካላት ናይ ሕሶት ሓበሬታ ዘቕርቡ ናይቲ ጁንታ ተረፍ መረፍ ከምኡ እውን ቅድም ኢሉ በቲ ጁንታ ክሕገዙ ዝፀንሑ ሕጂ እውን ገለ ጥቕሚ ዝጎዶሎም ኣካላት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ከምዘለዎም እውን ኣብሪሆም።

እቲ ቦርድ ብክልተ ዙር ኣብ ዝገበሮ ዑደት ድኹም ጎኒ ኢሉ ኣብ ዝፈለዮም ጉዳያት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዛቲዩ ኢዩ ዝበሉ እቶም ኣካቢ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ፀገማት ክንደይ ዘኣክል ተፈቲሖም ዝብል ብኣካል ንምርኣይ ኣባላት እቲ መርማሪ ቦርድ ኣብዚ ሰሙን ናብቲ ክልል ከምዝኸዱ ኣፍሊጦም።

በክልሉ ካሉ የማይመቹ ሁኔታዎች አንጻር ለዜጎች እየተደረገ ያለው የሰብዓዊ እርዳታ አቅርቦት በሚፈለገው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment