ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)”ምስጢር ሰራይነት ኢትዮጵያን ዜጋታታትን ካብ ኣቦታትና ዝወረስኖ ሓድነትን ቆራፅነትን ኢዩ” ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዘመዝገቦ ዓወት ኣመልኪቶም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ምስጢር ሰራይነት ኢትዮጵያን ዜጋታታትን ካብ ኣቦታትና ዝወረስኖ ሓድነትን ቆራፅነትን ኢዩ” ኢሎም።
“ኢትዮጵያ ንዝተፈላለዩ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ፀገማት ተቓሊዓ ኢያ፤ ይኹን እምበር ዜጋታታ ነቶም ፀገማት ኢዶም እንተይሃቡ ብሓድነትን ብምውዳብን ብጅግንነት ዓወት እናመዝገቡ ሉኣላዊነታ ዝተሓለወት ሃገር ክትቕፅል ገይሮም ኢዮም” ክብሉ ገሊሊፆም።
ኢትዮጵያውያን ሕዚ እውን ከም ኣቦታቶም ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ቃልሲ ዓወት እናመዝገቡ ንሃገሮም ዘለዎም ፍቕሪ እናርአዩ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ “ጀጋኑ ኣትሌታትና ኣብ ሻምፒዮና ዓለም ዝነኣድ ዓወት ብምምዝጋብ ኣኹሪዖምና ኢዮም” ክብሉ ተዛሪቦም፡፡
ኣብ ኣሜሪካ ኦሪጎን እናተኻየደ ዝነበረ 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ 10 ሜዳሊያታት ብምርካብ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ፣ ካብ ዓለም ድማ ካብ ኣሜሪካ ቀፂላ ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ኣብ ታሪኽ እቲ ሻምፒዮና ብዙሕ ሜዳሊያታት ብምምዝጋብ ምዝዛማ ይፍለጥ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com