ምስንዳእ ፍኖተ-ካርታ ትግበራ ሽግግር ፍትሒ ተዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስንዳእ ፍኖተ-ካርታ ትግበራ ሽግግር ፍትሒ ፌዴሪኢ ከምዝተዛዘመ ሚኒስቴር ፍትሒ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስትር ነቲ ጉዳይ ጠሚቱ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝበሎ፥ ፖሊሲ ሽግግር ፍትሒ 9 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ምፅዳቑ ስዒቡ እቲ ፖሊሲ ናብ ትግበራ ምዕራፍ ንምሽግጋር ዝሕግዙ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ክካየድ ፀኒሑ ኢዩ።

ካብ መንጎ እቲ ስራሕቲ ሓደ ናይቲ ሽግግር ፍትሒ ፖሊሲ ኣፈፃፅማ፣ ክትትልን ደገፍን ስርዓት ዝመርሕ ፍኖተ ካርታ ምስንዳእ እንትኸውን፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ምስንዳእ ፍኖተ ካርታ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ንክኣቱ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

ብኻሊእ መዳይ እቲ ፖሊሲ ካብ መንጎ ዘቐመጦም ጉዳያት ሓደ ስልቲታት ሽግግር ፍትሒ ዝትግብሩ ነፃን ገለልተኛን ትካላት ንምጥያሽን ንምውዳብን ዘድሊዩ ዝተፈላለዩ ማዕቐፋት ሕጊ ዝጥምት ከምዝኾነ ታቢሩ።

ብመሰረት እዚ ዓለም ለኸ ገበናት ዝድንግግ ኣዋጅ፣ ሓቃዊ መሕረትን መከሓሓሲን ኮሚሽን መጣየሺ ኣዋጅን ካልኦት ናይ ሽግግር ፍትሒ ዘፍፅሙ ትካላትን መጣየሺ ኣዋጃት ናይ ምርቃቕ ስራሕ ይሳለጡ ኣለዉ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ማዕቐፍ ሽግግር ፍትሒ ናይ ገበናት ጉዳያት ዝርእዮ ፍሉይ ክእለት ስልጠናን ኣሰራርሓን ዝምስረተሉ ናይ ሽግግር ፍትሒ ፍሉይ ኣዋጅ ችሎት ብምትሕብባር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከምዝፍፀም ተገሊፁ።

ምድላዋት ማዕቐፋት ሕጊ ኣብቲ ጉዳይ እኹል ኣፍልጦን ልምዲን ብዘለዎም ሞያተኛታት ዝካየድ እንትኸውን፥ ሓፈሻዊ ከይዲ ኣብ ክልተ ኣዋርሕ ውሽጢ ከምዝዛዘም ኢዩ ተሓቢሩ።

ስራሕቲ ምርቃቕ ሕጊ መስተፈፀመ ህዝብን መዳርግቲ ኣካላትን ዝርዝር ርእይቶ ዝህቡሉ ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ክምዝሰናድኡ ተሓቢሩ።

ናይቶም ሕጊታት ብስሉጥ ብምውፃእ ኣብቲ ፖሊሲ ዝተገለፁ ዕላማታት ንምዕዋት በፍላይ ዝተፈላለዩ ስልቲታት ሽግግር ፍትሒ ብምጥቃም ሓቂ ንምግላፅ፣ ዕርቂ ዝወርደሉ ኣሰራርሓ ንምምስራት፣ ናይ ገበን ተሓታትነት ንምንጋስ፣ ኣብ ቅድመ ኩነት ዝተመስረተ ምሕረት ተግባራዊ ንምግባር ናይ መከሓሓሲን ትካላዊን ስራሕቲ ንምፍፃምን ብሓፈሻ ዝተማልአ ፍትሒ ንምንጋስ ቁልፊ ግደ ከምዝፃወት እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment