ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስሊ ፕሮጀክት ሸገር ኣዲስ ንምምዕባል ብዝቐረቡ ሓሳባት ዲዛይን ሪኢቶ ንምእካብ ዝዓለመ ኤግዚቢሽን ተኸፊቱ።
እቲ ኤግዚቢሽን ባንኪ መሬትን ልምዓት ኮርፖሬሽን ዘዳለዎ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ኣብ መስቀል “ኣደባባይ” ኣብ ዝርከብ ማእኸል ዳያስፖራ እዩ ተኸፊቱ።
ዋና ዳይሬክተር ባንኪ መሬትን ልምዓት ኮርፖሬሽንን ወ/ሪት ሌንሳ መኮንን ከምዝገለፅኦ፥ ኣብ ወሰና ወሰን መገዲታት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ትሕዝቶታት ስሓባይ ምስሊ ንኽላበሱ ዘኽአል ስራሕ ክስራሕ ኢዩ።
ብተወሳኺ ቑጠባዊን ማሕበራዊ ረብሓታቶም ርኡይ ንምግባር ኩሉ ነገር ዘማለአ ዲዛይን ንምድላው ሰብ ሞያታት ብስፍሓት ንምስታፍ ልዑል ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ ኢለን።
ብመሰረት እቲ ሓድሽ ዲዛይን ልምዓታታት ተናቢብኻ ካብ ዘይምስራሕ ዝፍጠሩ ፀገማት ከምዝቐርፍ እተን ዋና ዳይሬክተር ገሊፀን ክብል ኢፕድ ፀብፂቡ።