ምርጫ 2013 ቁልፊ ምዕራፍ ሽግግር ብዝብል ርእሲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ህዳር ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምርጫ 2013 ቁልፊ ምዕራፍ ሽግግር ብዝብል ርእሲ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ካልኦት ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ተረኺቦም።

እቲ ምርጫ ነፃ፣ ፍትሓውን ተኣማኒን ንክኸውን ካብ ዜጋታት፣ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ መንግስቲ፣ ስቪል ማሕበራትን መራኸብቲ ሓፋሽን ትፅቢት ዝግበር ሓሳብ ቀሪቡ።

ዓበይቲ ዴሞክራሲያዊ ትካላት መሰረታዊ ለውጢ ምክያዶም ስዒቡ ዝፍፀም ታሪኻዊ ምርጫ ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ኢትዮጵያ ኣብ ጎደና ዴሞክራሲ እትገብሮ ጉዕዞ ቀንዲ መርኣዪ ክኸውን ኢዩ ተባሂሉ።

መሰረታዊ ጉዳያት ኣብ ዘይተማልአሉ ኩነታት ምርጫ ንምግባር ምፅዳፍ ብዝምልከት ተሳተፍቲ እቲ መድረኽ ሓሳብ ኣልዒሎም።

ብተወሳኺ ምቹው ኩነታት ምፍጣር፣ ቅድሚ ምርጫ ልዕልነት ሕጊ ምኽባርን ተዓዘብቲ ምርጫ ሓዊሱ መዳርግቲ ኣካላት ዘገልገል ደንቢ ምርጫ ምስንዳእ ኣድላዪነት ብዝምልከት እውን ሓሳብ ቀሪቡ ኢዩ።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment