ምርጫ ንምክያድ እንትንውስን ንቫይረስኮሮና ኣቕሊልና ብምርኣይ ዘይኮነስ ንውሳነ ህዝቢን ሕገመንግስትን ተገዛእቲ ስለዝኾና ‘ዩ – ዶ/ር ደብረፅዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ቫይረስ ኮሮናን ሓፈሻዊ ምርጫን ብዝምልከት ጋዜጣዊ መግለፂ ሂቦም።

ዶክተር ደብረፅዮን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ብብርኪ ክልል ቫይረስኮሮና እናተኸላኸልና ብጥንቃቐ ክልላዊ ምርጫ ክነካይድ ንኽእል ኢና ኢሎም።

ኣብ መንጎ ፌደራልን ክልል መንግስትን ኣብ ጉዳይ ሓፈሻዊ ምርጫ ግልፂ ኣፈላላይ ተፈጢሩ’ሎ ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ መንግስቲ ፌደራል “ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ስለዘጋጠመ መረፃ ሕዚ ክካየድ የብሉን” ዝብል ቅዋም ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ድማ ቫይረስኮሮና እናተኸላኸልና ብጥንቃቐ መረፃ ክካየድ ኣለዎ ዝብል መርገፂ ከምዘለዎ ኣብሪሆም።

ኣብ እዋን ምርጫ ብፍሉይ ጥንቃቐ ክግበረሎም ካብ ዝግባእ ነጥብታት ሓደ፥ ህዝቢ ኣብ እዋን ምዝገባ ይኹን ምሃብ ድምፂ ቅድመ ሐዚ ካብ ዝነበረ ኣካይዳ ብዝተፈለየ ጥንቃቐ ምፍፃም የድሊ ኢዩ ኢሎም።

“ቫይረስኮሮናኣብ ምክልኻል ብብርኪክልል ክሳብ ሐዚ ዝሓሸ ስራሕቲ ተሰሪሑ ኢዩ፤ ይኹን እምበር ሕገ መንግስቲ ጥሒስና ከምክልል ስልጣንና ንምንዋሕ ከም ምኽኒያት ኣይንወስዶን ዝብል መርገፂ ኢዩ ዘለና” ኢሎም።

እቲ ኣብ ትግራይ ክካየድ ዝበሃል ዘሎ መረፃ ንሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ብዘሳተፈ መልክዑ ሕጋዊ ኣፈፃፅማ ክህልዎ እዩ እውን ኢሎም።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብብርኪ ክልል ሓፈሻዊ ምርጫ ከካይድ ክውስን እንከሎ፥ ንቫይረስኮሮና ኣቕሊሉ ብምርኣይ ዘይኮነስ ንናይ ህዝቢ ውሳነን ንሕገመንግስትን ተገዛኢ ስለዝኾነ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ድሕሪ መስከረም 2012 ዓ.ም እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ መሓውራዊ ሕጋውነት ስለዘይህልዎ መረፃ ከይተኻየደ እንተተሪፉ ሓደገኛ ኩነታት ክፍጠር ከምዝኽእል ዶክተር ደብረፅዮን ኣገንዚቦም።

መረፃ ንምንዋሕ ትርጉም ሕገ-መንግስቲ ንምንዳይ ብባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ንዝሓለፈ ውሳነ’ውን ኣትሪሮም ነቒፈምዎ።

“ምስ መረፃ ብዝተኣሳሰር ኣብቲ ሕገመንግስቲ ዝትርጎም ነገር የለን፤ ሓሙሽተ ዓመት ማለት ሓሙሽተ ዓመት ማለት እዩ” እውን ኢሎም።

ኣድላይነት ምክያድ መረፃ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፥ “ድሕሪ መስከረም 2012 ዓ.ም ናይ ፌደራል ኮነ ናይ ክልል መንግስታት ስልጣኖም ስለዘብቅዕ ሕጋውነት ኣይህልዎምን፤ ስለዚ መረፃ ምክያድ ወሳኒ እዩ” ዝብል መርገፂኦም ኣፍሊጦም።

ህዝቢ ዘይመረፆን ኣፍልጦ ዘይሃቦን መንግስቲ ብምኽኒያት ምግጣም ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ስልጣኑ ሕጋዊ ስለዘይኮነ ሕገመንግስታዊ መፍትሒ ዘድሊዮ ኢዩ እውን ኢሎም።

ካብ ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ፖለቲካ ዝቐርቡ ዘለዉ ኣማራፅታት ሓሳብ ግቡኣት ኢዮም ዝበሉ እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር፥ ብሓባር ኮፍ በምባል ምዝታይን ምድርዳርን ከምዘድሊዮም እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment